ድሌት ዓማዊል ማእኸል ዝገበረ ኣገልግሎት እናሃብና ንርከብ – ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ጉምሩኽ ኢትዮጵያ እዋኑ ዘሓቶ ዘበናዊ ስርዓት ምሕደራ ጉምሩኽ ብምዝርጋሕ ድሌት ዓማዊል ማእኸል ዝገበረ ኣገልግሎት እናሃበ ከምዝርከብ ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እቲ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ፥ ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዕላምኡ ንምዕዋት ዋና ዋና ዓውዲታት ትኹረቱ ማለት እውን ትካላዊ ልምዓት ዓቕሚ፣ ልህቀት ኣሰራርሓ፣ ልህቀት ስትራቴጂካዊ ምሕዝነት፣ ልህቀት ኣመራርሓ ተገዛኣይነት ሕጊን ዘላቒ ዕቤት እቶት ምርግጋፅን ውፅኢታዊ ስራሕቲ ተሳሊጦም ኢዮም።
ብመሰረት እዚ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ልዕሊ 112 ቢሊየን 462 ሚሊየን ብር ኣታዊ ምእካብ ተኻኢሉ።
ምስ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ወቕቲ እንትነፃፀር ድማ 7 ቢሊየን 48 ሚሊየን ሃለፋ ኣለዎ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።