Fana: At a Speed of Life!

ድሌት ልምዓት ብእቶት ውሽጢ ሃገር ንምምላእ እቲ ዓውዲ ብቴክኖሎጂ መምድጋፍን ተሳትፎ ህዝቢ ምዕባይ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ድሌት ልምዓት ብእቶት ውሽጢ ሃገር ንምምላእ እቲ ዓውዲ ብቴክኖሎጂ መምድጋፍን ተሳትፎ ህዝቢ ምዕባይ ከምዝግባእ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ ገሊፀን፡፡

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ኣመራርሓ ታክስ፣ ፖሊሲ መውፃእቲ፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይኤምኤፍ)ን ባንኪ ዓለምን ኣብ ዝተረኸቡሉ ንሰለስተ መዓልቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ዝነበረ ኣብ ኣተኣኻኽባ እቶት ውሽጢ ሃገር ዘድሀበ ጉባኤ ሎሚ መዓልቲ ተዛዚሙ፡፡

እተን ሚኒስትር እቶት ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፤ ናይ ማእኸላይ ዘበን ኣተኣኻኽባ እቶት ስትራቴጂ ዝሓንፀፃን ናብ ስራሕ ዝኣተዋን ሃገራት ፃኢታዊ ዝኾነ።

ኢትዮጵያ እውን ኣታዊ ናይ ምእካብ ዓቕማ ንምዕባይ ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ስትራቴጂ ኣተኣኻኽባ እቶት ማእኸላይ ዘበን ብምሕንፃፅ ናብ ስራ ከምዝኣተወት ብምሕባር፤ ድሌት ልምዓት ብእቶት ውሽጥ ሃገር ንምምላእ እቲ ዓውዲ ብቴክኖሎጂ ምድጋፍን ተሳትፎ ህዝቢ ምዕባይን ከምዝግባእ ገሊፀን፡፡

ኣብ ኣይኤምኤፍ ዳይሬክተር ምብራቕ ኣፍሪካ ክላራ ሚራ÷ ከይዲ ኣተኣኻኽባ እቶት ሃገራት ኣፍሪካ ምምሕያሽ እናርአዩ ይኹኑ እምበር ብመንፅር ዘሎ ኣህጉራዊ ዓቕሚ ዝእከብ ኣታዊ እኹል ኣይኮነን ኢለን፡፡

“ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወገኑ ስራሕቲ ልምዓት ዝበረታታዕን ልምዲ ክውሰደሎም ዝግብኡ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ልዑል ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ዕዙዝ ኣበርክቶ ኣለዎ ምባለን” ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.