Fana: At a Speed of Life!

ዴን ማርክ ናይ ነዊሕ እዋን ኣጋር ብምዃና እትህቦ ድጋፍ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቐዳማይ ሚኒስቴር ፌዴሪኢን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ንሚኒስቴር ምትሕብባር ልምዓት ዴንማርክ ንፍሌሚንግ ሞለር ሞርቴንሰንን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም አዛዘራሪቦም።
ኣይተ ደመቀ መኮነን፥ ዴንማርክ ንኢትዮጵያ እናገበረቶ ዘለ ሓገዝ ንኢዶም።
ብቐፃልነት ድጋፋ ኣጠናኺራ ንኽትቕፅል ዝሓተቱ እንትኾን፥ ብወገን መንግስቲ ንዝተፈጠሩ ፀገማት ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ እናተወሰዱ ዝርከቡ ስጉምትታት መብርሂ ገይሮም።
መንግስቲ ዘይተገደበ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ክልል ትግራይ ንክኣቱን ተግባራዊ ዝተገበረ ውሳነ ጠጠው ምባል ተኹሲን ምስ ቀደም ፕሬዝዳንት ናይጄርያ ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ዝተጀመሩ ፃዕርታት ኣብ ጫፍ ንክበፅሑ ቁርፀኛ ምዃኑ ኣረጋጊፆም።
ሚኒስቴር ልምዓትን ምትሕብባርን ዴንማርክ ፍሌሚንግ ሞለር ሞርቴንሰንን ብግደኦም፤ ኣብዚ ሐዚ እዋን ንፀገማት ዘላቒ ፍታሕ ንምሃብ መንግስቲ ዝጀመሮም ፃዕርታት ዝበረታትዑ እዮም ኢሎም።
ኣብ መወዳእታ ኣይተ ደመቀ መኮነን መንግስቲ ንሰላም ብቑርፀኝነት ዋላኳ እናሰርሐ እንተኾነ፤ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ግን ሐዚ እውን ንህፃናትን ዕድምኦም ዝደፍአ ከይተረፈ እናመልመለ እዩ ኢሎም።
እቲ ጉጅለ ሐዚ እውን ብድጋሚ ንካሊእ ጥፍኣት እናተዳለወ ብምዃኑ ማሕበረሰብ ዓለም ፅዕንቶ ክፈጥረሉ ይግባእ ምባሎም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B
5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.