Fana: At a Speed of Life!

ዴንማርክ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፖሊሲ ልምዓት ዴንማርክ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ምስ ኢትዮጵያ ብምትሕብባር ንምስራሕ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ምስ ኣቦ መንበር ቤት ምኽሪ ፖሊሲ ልምዓት ዴንማርክ ኣን ሜት ኪጀር ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ዴንማርክ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ንኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብ ሓገዝን ምሕዝነትን ተጠናኺሩ ኣብ ዝቕፅለሉ ኩነታ ተመያይጦም፡፡

ሚኒስትር ግርማ ኣመንቴ÷ እቲ ዓውዲ ናብ ዝሐሸ መፍረያይነት ንምስግጋር ኣብ ዝግበር ርብርብ ዴንማርክ ክሳብ ሕዚ እናገበረቶ ንእትርከብ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

ለውጢ ንብረት ኣየር ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ንምንካይን ንምስትኽኻን እናተወገኑ ዝርከቡ ተግባራት ብምፅራሕ÷ ንኣብነት እውን ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር 32 ነጥቢ 78 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተተኸለ ኣልዒሎም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኢኒሼቲቫት ልምዓት መስኖ ስርናይን ትሩፋት ሌማትን እናስመዘገቡዎ ዝርከቡ ውፅኢት እቲ ዓውዲ ሕርሻ ኣዚ እናዕቦዮ ከምዝርከብ ንግላፆም ሓሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብግደኦም÷ ኣብ ዓውዲ ሕርሻ ብፍላይ ኣብ ፕሮግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት፣ ኮሜርሻላይዜሽን ሕርሻ፣ ክላስተርን ሓምለዋይ ልምዓትን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ንዝተገበረሎም ገለፃ ብምምስጋን፤ ኣብ ቀፃሊ ብሓባር ንምስራሕ ዘለዎ ድሉውነት ኣረጋጊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.