Fana: At a Speed of Life!

ዴኒስ ሽሚጋል ቀዳማይ ሚኒስትር ዩክሬን ኮይኖም ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣26 ለካቲት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ፓርላማ ዩክሬን ንዴኒስ ሽሚጋል ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ገይሩ መሪፁ።

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ዩክሬን ኦሌክሲይ ሆንቻሩክ፥ ብሕቶ ፕሬዚዳንት ቮሎዲሚር ዜለንስኪ ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ቮሎዲሚር፥ ፓርላማ እታ ሃገር ንንዴኒስ ሽሚጋል ቀዳማይ ሚኒስትር ገይሩ ንኽመርፀሎም ሓቲቶም ኢዮም።

እቶም ኣባላት ፓርላማ እውን ሽሚጋል ቀዳማይ ሚኒስትር ንኽኾኑ ብኣብዝሓ ድምፂ መሪፁዎም ኣሎ።

ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ዩክሬን ኦሌክሲይ ሆንቻሩክ፥ እቶም ፕሬዚዳንት ዝኽተሉዎ ፖሊሲ ኢኮኖሚ “ድሑር” ብምባል ወቒሶምዎ።

እቶም ሓዱሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ናይ ኦሌክሲይ ሁንቻሩክ ምክትል ኢዮም ነይሮም።

ፍልፍል፦ ዩናይትድ ፕረስ ኢንተርናሽናል

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.