ዴሞክራሲ ንኢትዮጵያ ሕርያ ዘይኮነስ ጉዳይ ምህናፅ ሃገር ኢዩ – ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዴሞክራሲ ንኢትዮጵያ ሕርያ ዘይኮነስ ጉዳይ ምህናፅ ሃገር ከምዝኾነ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሚኒስትር ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ኣይተ ተስፋዬ በልጅጌ ገሊፆም።
እቲ ባይቶ ምስ ትካላት ዴሞክራሲ እናካየዶ ኣብ ዝርከብ ሓበራዊ ፎረም ኣይተ ተስፋየ በልጅጌ ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ ህንፀት ትካላት ዴሞክራሲ ስራሕቲ ህንፀት ባህሊ ዴሞክራሲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡
ዘይሻራዊ ትካላት ዴሞክራሲ ንምህናፅ ዝተጀመረ ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያዊ ዝኾና ጥንኩራት ትካላት ንምህናፅ ትኹረት ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ወሳመኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ኣይተ ተስፋየ ኣብ መብርሂኦም፥ ኣብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰልን ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢን ለውጢ ንምምፃእ ተሓሲቡ ዝተሳለጠ ዝበረታታዕ ስራሕ ኣብነት ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com