Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ቻይና ን ዩኒዶን ንልምዓት ኢትዮጵያ ዘለዎም ሽርክና አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) መንግስቲ ቻይናን ትካል ልምዓት ኢንዱስትሪ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒዶ)ን ኣብ ናብራ ዜጋታት ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ዘለዉ ተግባራት ንዘርኣይዎ ተበግሶን ምትሕብባርን አመስጊኖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብምህዞ ዝተሓገዙ መፍትሒታት ንምርካብ ብሰለስቲኣዊ ምትሕብባር ዕላዊ ዝተገበረ ኣብ ግብርና፣ ኣግሮ ኢንዱስትሪ፣ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ዲጂታይዜሽንን ማእኸላት ምርምርን ኢትዮጵያ ናይ ምምስራት ስራሕ ህይወት ሓረስቶት፣ ሰበኽ ሳግምን ነበርቲ ገፀርን ንምምሕያሽ ፍሉይ ዕድል ሒዙ መፂኡ ኣሎ ኢሎም።

ንመንግስቲ ቻይናን ዩኤንአይዲኦን ኣብዚ ኣዝዩ ዝረብሕ ሓሳብ ብምትሕብባሮም አመስጊኖም።

ዳይሬክተር ጀነራል ዩኤንአይዲኦ ገርድ ሙለር ንስራሕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ንዘለዎም ደገፍ አመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.