Fana: At a Speed of Life!

ዳያስፖራ ዝጀመሮም ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሃፍቲን ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ-ኣምባሳደር ስለሺ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ጎንፂ ንዝበፅሐ ጉድኣት ዝኸውን ዳያስፖራ ዝጀመሮም ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሃፍቲን ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ክብለየ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣሜሪካ ስለሺ በቀለ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እቶም ኣምባሳደር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ኣብ ኒው ዮርክን ኒው ጀርሲን ምስ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ፥ ዳያስፖራ ዝጀመሮም ስራሕቲ ምትእኽኻብ ሃፍቲን ፐብሊክ ዲፕሎማሲን ኣጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቀዋሚ ልኡኽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ ብግደኦም፥ ኣብ ኒው ዮርክን ኒው ጀርሲን ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ሃገሮም ንምሕጋዝ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ብዘይዕረፍቲ እናሰርሑ ከምዝርከቡ ብምግላፅ፤ ፃዕሮም ተጠናኺ ንኽቕፅል ሓቲቶም።

“ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝፍነዉ ናይ ሕሶት ተረኻት ተፃዊርና ከም ሃገር ንኽንቅፅል ዳያስፖራ ዝነበሮ ኣስተዋፅኦ ዘይዝንጋዕ ኢዩ” ኢሎም እቶም ኣምባሳደር፡፡

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዶ/ር መሓመድ እንድሪስ፥ እዋና ናይ ኩሉ ፈታዊ ሃገር ርብርብ ዝሓትት ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ዳያስፖራ ዝገብሮም ሓገዛት ናይ ሓፂርን ዘላቒን ሃገራዊ ፀገማት ክፈትሑ ኣብ ዝኽእሉሉ ኩነታት ክቃነዩ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.