Fana: At a Speed of Life!

ዳያስፖራ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትሕብባርን ምትእምማንን ንኽህልወ ክስራሕ ኢዩ – ሉኡኽ ጓድ ሰላም

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ዳያስፖራ ዘሎ ምክፍፋል ንምውጋድን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምትሕብባርን ምትእምማንን ክፍጠር ንምግባር ከምዝሰርሕ ሉኡኽ ጓድ ሰላም ዳያስፖራ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣካቢ እቲ ሉኡኽ ፕሮፌሰር ብሩክ ሃይሉ በሻህ፥ እቲ ሉኡኽ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ፃንሒት ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም።

በመግለጫቸውም ልዑኩ ከዘጠኝ ወራት በፊት የተቋቋመ እና በዳያስፖራው እና በሃገሩ መካከል ድልድይ የመሆን ዓላማ ያለው ነው ብለዋል።

ኣብ ውሽጢ ሰላምን ምርግጋእን ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ግደ ንምውፃእ ኣብ ወፃኢ ኮይኑ ካብ ምዕዛብ ብኣካል ተረኺቡ ኩነታት ንምፅናዕ ብምሕሳብ ናብ ሃገር ምምፅኡ ኣብሪሆም።

13 ሲቪክ ማሕበራት ተጣሚሮም ዝፈጠሩዎ እቲ ሉኡኽ፥ ብስእነት ሰላም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ ዝተፈላለዩ መዕቖቢ መዓስከራት ንዝርከቡ ዜጋታት ሓገዝ ከምዝገበረ ተዛሪቦም፡፡

ብምዃኑ ኣብ መዓስከር ኣጣዬ፣ ኣብ ከሚሴ ወረዳ ኣርጡማ ፋርሲ መዓስከር ዲምቱ ጨርቆስ፣ ኣብ ኮንሶ መዓስከር ገለቦን ኣብ ፍሉይ ወረዳ ደራሼ መዓስከር ኣርጡማ ብምርካብ ሓገዝ ኮቦርታን መናፅሂን ከምዝገበረ ገሊፆም።

ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃን ኮይኖም ሓገዝ ንዝገበሩ ኣካላት እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቲ ልኡኽ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ውሪ ምኽባር ሕጊ ሉኣላውነት ሃገር ክሕሎ ዝገብር ኢዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ እውን ኣብሪሆም።

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.