Fana: At a Speed of Life!

ዳያስፖራታት ናብ ሃገሮም እንትመፅኡ ኣብ ልምዓት ፈጠራ ስራሕ ሓገዝ ንኽገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ናብ ሃገሮም እንትመኡ ኣብ ልምዓት ፈጠራ ስራሕ ሓገዝ ንኽገብሩ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ፀውዒት ኣቕሪበን።

እተን ሚኒስትር እዚ ዝበላ፥ ብጻውዒት ቀዳማይ ሚኒትር ናብ ሃገሮም ንዝመፅኡ ሓደ ሚሊየን ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኢዩ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሪፎርም ሃገር በቆል ኢኮኖሚ ብምፅራሕ ኣብ ስራሕቲ ዲጂታል ኢንተርፕርነርሺፕ ውፅኢት ዘምፅኡ ኢትዮጵያውያን ከምዘለዉ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

“ምንቅስቓስ ልምዓት ኢንተርፕርነርሺፕ ደንጒና ዝኣተናዮ ይኹን እምበር ሰፊሕ ዕድል ዘለዎን ቅድሚት ንህቦ ብምዃኑን ዘለኩም ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ኣሕዋትኩም ካብ ምክፋል ጀሚርኩም ኣብቲ ዓውዲ ብውልቀ ይኹን ብውዳበ ብምውፋር እንተኽኢልኩም ከም ሃገር ዝተጀመረ ህንፀት ኢኮኖሚ ኣብ ፅኑዕ መሰረት ኣብ ምንባር ዓቢዪ ኣሰር ምንባር ስለትኅሉ ክንቅበለኩም ድሉዋት ኢና” ምባለን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.