Fana: At a Speed of Life!

ዲፕሎማሰኛታት እዋኑ ዘገናዘበ፣ ብብልሓት ዝምራሕ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከሳልጡ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 18 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ ዲፕሎማሲ ከምዝኾነት ብምግንዛብ ዲፕሎማሰኛታት እዋኑ ዘገናዘበ፣ ብብልሓት ዝምራሕ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከሳልጡ ይግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ርክብን ዲፕሎማሲን ዘለዋ ተሳትፎ ኣመልኪቱ ኣብማእኸል ልህቀት ኣፍሪካ እናተውሃበ ዝቐነየ ናይ ሰለስተ ሰሙን ስልጠና ተዛዚሙ፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ መዛዘሚ እቲ ስልጠና ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ፅዕንቶ ዲፕሎማሲ ከምዝኾነት ብምግንዛብ ዲፕሎማሰኛታት እዋኑ ዘገናዘበ፣ ብብልሓት ዝምራሕ ስራሕቲ ዲፕሎማሲ ከሳልጡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ስልጠና÷ “ዲፕሎማሰኛታት እዋናዊ ተለዋዋጢ፣ ተገማቲ ዘይኮነን ዝተሓላለኸን ስርዓት ዓለም ብምንባብ ሓቂን ረብሓን ሃገሮም ንኸኽብሩ ዝሕግዝ ኢዩ” ኢሎም፡፡

ኣብቲ ስልጠና÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፣ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ስልጠና ምሃቦምን ልምዶም ከምዘካፈሉን ይፍለጥ፡፡

ብመራኦል ከድር

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.