Fana: At a Speed of Life!

ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ 2028 ንሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍሪያት 1 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ 2028 ዓ.ም.ፈ ንሓፈሻዊ ሃገራዊ ፍሪያት 1 ነጥቢ 3 ትሪሊየን ብር ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ጂ.ኤስ.ኤም.ኤ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ገሊፁ።

ኢትዮ ቴሌኮምን  ዓለም ለኸ ግዙፍ ኦፕሬተራትን ማእኸላት ኦፕሬተራትን ሞባይል ሓዊሱ 26 ኣባላት ቦርድ ዘለዎ ዓለም ለኸ ጂ.ኤስ.ኤም.ኤ ብሓባር ብምዃን ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ጠመተ ዝገበረ ፓናል ዘተ የካይዱ ኣለዉ።

ዋና ኣፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩን ሬጉላቶሪ ኦፊሰር ጂ.ኤስ.ኤም.ኤ ጆን ጊዩስቲን ሓዊሱ ኣብቲ መድረኽ መዳርገቲ ኣካላት እውን ተረኺቦም።

ዲጂታል ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ዝዓለመ ዲጂታላይዜሽን ኢትዮጵያ ፈላማይ ሓፈሻዊ ፀብፃብ ዕላዊ ኮይኑ።

ኣብ ኢትዮጵያ መመሓየሺ ቴሌኮምን ኢንቨስትመንታት ሞባይል ቴክኖሎጂን ኣብ ዓውዲ ግብርና፣ ኣፍረይቲ ዓውዲታት፣ ኣገልግሎት ህዝብን ወዘተ ስሉጥ ምዕባለ የምፅኡ ከምዘለዉ ኣብቲ መድረኽ ቀሪቡ ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.