Fana: At a Speed of Life!

ዲያስፖራ ናብ ሃገሩ ንምምፃእ ልዑል ተበግሶ እናርኣየ ይርከብ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፃውዒት ቀዳማይ ሚኒስተር ስዒቡ ዲያስፖራ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ልዑል ተበግሶ እናርኣዩ ምህላዎም ኤጀንሲ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ደገ ዝነብሩ ሓደ ሚልየን ኢትዮጵያውያንን ትውልደ -ኢትዮጵያውያንን ንዝመፅእ ልደት ናብ ሃገሮም ንኽመፁ ፃውዒት ምቕራቦም ይዝከር፡፡

ንዓዶም ዝመፁ ዲያስፖራ ድማ ሓደ ሓደ ናይ ወፃኢ ዜጋ ሒዞም ንኽመፁ ፃውዒት ምቕራቡ እውን ዝዝከር እዩ፡፡

ዳይሬክተር ኮሚኒኬሽን ኤጀንሲ ዲያስፖራ ኢትዮጵያ ኣይተ ወንድወሰን ግርማ ንኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፁዎ፥ ፃውዒት ተቐቢሎም ናብ ዓዶም ንኽመፅኡ እቲ ኤጀንሲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ተዋዲዱ ይሰርሕ ኣሎ፡፡

“ሓደ ሓደ ሃገራት ኢትዮጵያ ሰላም ከምዘይኮነት ብምምሳል ዜጋታተን ንምውፃእ ፃውዒት ከቕርባ ይስማዓ እየን” ዝበሉ ኣይተ ወንድወሰን÷ በዚ መዳይ ናይቲ ዲያስፖራ ናብ ኢትዮጵያ ምምፃእ ኣብ ሓደ ሓደ ምዕራባውያን ሚድያታት ኢትዮጵያ ዝምልከት ዝውዝዑ ሓበሬታታት ትኽክል ዘይምዃኖም ዘጋልፅ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.