Fana: At a Speed of Life!

ዱቡሻ ሓድጊ ዓለም ብምዃን ኣብ ዩኔስኮ ንክምዝገብ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ብሄረሰብ ጋሞ ኣባላት ባህላዊ ስነ ስርዓት ዕርቀ ሰላም ዝካየደሉን ሰላም ዝፍፀመሉን ስፍራ “ዱቡሻ” ሓድጊ ዓለም ብምዃን ኣብ ዩኔስኮ ንክምዝገብ ይስራሕ ከምዘሎ ዞባ ጋሞ ገሊፁ።

“ዱቡሻ” ሰባን ናብ መገዲ ጥፍኣት ንከይኸዱ፣ ብስርዓትን ባህሊን ፀገማት መፍትሒ ንክረኽቡ ዘኽእል ባህላዊ ስነ ሰርዓት ዕርቂ ዝካየደሉ ኣደባባይ ከምዝኾነ ኣብቲ ዞባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣቦታት ጋሞ ኣብ ኢዶም ርሑስ ሳዕሪ እንተሒዞም ንደት ይዝሕል፣ ንፅልኢ ዝተበገሰ ዝኾነ ይኹን ኣካል ካብ በትሪ ጀሚሩ መጥቃዕቲ ንምብፃሕ ዝሓዞም ናውቲታት ናብ መሬት ብምቕማጥን እቲ ጉዳይ ብስርዓት ”ዱቡሻ” ንክረአ ይገበር።

ሓላፊ መምርሒ ባህልን ቱሪዝምን እቲ ዞባ ኣይተ ሞናዬ ሞሶሌ፥ ዱቡሻ ከም ኣዳራሽ ዝረአ ጉዳያት ዕርቀ ሰላም እንትህልዉ ውሳነ ዝወሃበሉን ዝዝተየሉን ኣደባባይ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብየሻምበል ምህረት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.