Fana: At a Speed of Life!

ደ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዋይ ኣመራርሓ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ዝነበሩ ዶክተር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

ዶክተር ኣዲስ ኣለም ኣብ ጉጅለ ፀረ ሰላም ተወዲቦም ብምስራሕ ተጠርጢሮም ኢዮም ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ዘለዉ፡፡

እቶም ተጠርጣሪ ኣምባሳደር ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ኢትዮጵያ ምስ ወፃ ሃገራት ዘለዋ ፅቡቕ ርክብ ንምብልሻውን ደው ንምባልን ፅዕንቶ እናፈጠሩን እናሰርሑን ከምዝነበሩ መርማሪ ፖሊስ ንመጋባእያ ኣረዲኡ፡፡

ብተወሳኺ ሓበሬታን ምስጢርን መንግስቲ ኣሕሊፎም ይህቡ ከምዝነበሩ ኣብሪሁ፡፡

ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኦነግ ሸኔ እውን ሓበሬታ ይለዋወጡ ከምዝነበሩን ምስጢር ኣሕሊፎም ብመሃብ ንዝተፈፀሙ ገበናት ብሓባር ይሰርሑ ከምዝነበሩ ገሊፁ።

መርማሪ ፖሊስ ዶክተር ኣዲስ ኣለም፥ ላዕለዎት ኣመራርሓታት ኣፍሪካ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ፅዕንቶ ንኽፈጥሩ ፅንቶ እናገበሩ ከምዝነበረን ሕገ-መንግስቲን ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ንምፍራስን ምስ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤልን ጉጅለኦምን ብምዃን ገበን ዝፍፀመሉ ትልሚ እናውፅኡ ከምዝነበረ ሓቢሩ፡፡

መናእሰይ ብምምልማል ሁውከትን ዕግርግርን ንኽፍጠር ኣብ ክልላት እናተሓባበሩ ከምዝነበረ ዝገለፀ መርማሪ ፖሊስ፥ ምስ ሓደ ኣምባሳደር ቻይና ብምርኻብ ኮሙኒስት ፓርቲ ቻይናን ህወሓትን ንምፍጣር ኩነታት ንምምዕርራይ እናሰርሑ ከምዝነበረ እውን ኣገንዚቡ፡፡

ምስ ዘይተትሓዙ ተሓጋገዝቶም ብምዃን እውን 24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ማይካድራ ንፁሃን ዜጋታት ንኽጭፍጨፉ፣ ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ብምፍፃም ከበድቲ መሳርሒታት ንኽዝረፉ ኩነታት የመዓራርዩ ከምዝነበረ መርማሪ ፖሊስ ንበጋባእያ ኣብሪሁ።

መርማሪ ፖሊስ 14 ተወሰኽቲ ምርመራ መዓልቲታት ዝሓተተ እንትኸውን፥ ተጠርጣሪ “ምስ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ኣብ ጉዳይ ሽምግልና ሰኑይ እናተዘራረብኩ ፀኒሔ ረቡዕ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒለ፤ ምስ ካልኦት ሓለፍቲ ኣምባሳደራት እውን ብዛዕባ ጉዳይ ሽምግልና ኢየ እናዘራረብኩዎም ነይረ” ኢሎም፡፡

ዶክተር ኣዲስኣለም ባሌማ እቲ ዝተብሃለ ገበን ኣይፈፀምኩን ዝበሉ እንትኾ፥ መርማሪ ፖሊስ ስለምፍፃሞም ዘረድኡ እኹል መረዳእታታት ከምዘለዉዎ ንመጋባእያ ገሊፁ፡፡

ነቲ ጉዳይ ዝተኸታተለ ቀደማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ምድብ ኣራዳ እዋን ቆፀሮ ብግድኡ፥ ንመርማሪ ፖሊስ 14 ተወሳኺ መዓልቲ ምርመራ ፈቒዱ፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.