Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኮሪያ ገንዘብን ኣቑሑት ሕክምና መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮናን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 05 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት እታ ሃገር ብምትሕብባር ገንዘብን ኣቑሑት ሕክምና መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮናን ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ፥ 28 ሺሕን 33 መመርመሪ ኪታት፣ 150 ሺሕን 400 መሸፈኒ ገፅ፣ 60 ሺሕ ዶላር ኣሜሪካ ዋጋ ዘለዎም ሳኒታይዘራት መሐለዊ ፅሬት ዘጠቓልል ኢዩ።

ብተወሳኺ ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝውዕል ልዕሊ ብር 1 ነጥቢ 8 ሚሊየን ገንዘባዊ ሓገዝ ክገብር ክኢሉ።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ፥ እቲ ሓገዝ ብብርኪ ሃገር ዝግበሩ ስራሕቲ ምክልኻል ከምዘጠናኽር ገሊፀን።

መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ካልኦት ስራሕቲ ዘፈራት ጥዕና ሓጋዚ ምዃኑ እውን ኣብሪሀን።

ኣምባሳደር ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ሁን ሚን ሊም ብግደኦም፥ መንግስቲ ደቡብ ኮሪያ እቲ ቫይረስ ንምቁፅፃር ምስ ኢትዮጵያ ተሓጋጊዙ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ሃገሮም ስግዓት ዓለም ኮይኒ ዘሎ ለበዳ ሕማም ንምክልኻል ትገብሮ ሓገዝ ከምትቕፅልን ዘለዋ ልምዲ ንኢትዮጵያ ከምተካፍልን ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.