Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዞባ ጎፋ ንዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት 1 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከምትገብር ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016(ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኮሪያ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት 1 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከምትገብር ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝሃ መግለፂ ከምዝሓሮ÷ በቲ ሓደጋ ዝተጎድኡ ነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ንቡር ህይወቶም ክምለሱን እቲ ከባቢ ናብ ዝነበሮ ንክምለስን ክሕግዝ ኢዩ ኢሉ መንግስቲ እታ ሃገር ተስፋ ከምዝገብር እውን ገሊፁ፡፡

ዘ ኮሪያን ሔራልድ ኣብ ዞባ ጎፋ በቲ ሓደጋ ህይወት ሰባት ከምዝሓለፈ ብምዝኽኻር ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.