Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዘፈር ልምዓት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ምትሕብባር ከምተጠናኽር ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ፕሬዚዳንት ዓለም ኤጀንሲ ለኸ ምትሕብባር ደቡብ ኮሪያ ቻንግ ዋንሳምን ተዛቲዮም፡፡

ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ብዛዕባ ዘሎ ታሪኻዊ ክልተኣዊ ርክብ ትኹረት ገይሮም፡፡

ኣይተ ደመቀ÷ ኢትዮጵያ ምስ ሪፐብሊክ ደቡብ ኮሪያ ዘለዋ ጥንኩር ብክልቲኡ ዓውዲ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ከምዝበፅሐ ገሊፆም፡፡

ብፍላይ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዘላቒ ልምዓት ጥንኩር ተሞክሮ ዘለዋ ከምዝኾነትን ኢትዮጵያ እውን እዚ ልምዲ ኮሪያ ከም ተሞክሮ ከምትወስድ ገሊፆም።

ቻንግ ዋንሳምን ብግደኦም÷ ደቡብ ኮሪያ ንኢትዮጵያ ቅድሚት ካብ ሞንጎ ትህቦም ሸሪኻት ልምዓት ሓንቲ ምዃና ኣልዒሎም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብተን ሃገራት 18 ፕሮጀክታትን ሰለስተ ፕሮግራማት ስልጠናን እናተወገኑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ኣብ ቀፃሊ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓትን ዓለም ለኸ ርክባትን ምስ ኢትዮጵያ ብሓባር ከምዝሰርሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.