ደቡብ ኮሪያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሽርክና ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ኮሪያ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሽርክና ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ፓርክ ጂን ኣፍሊጦም።
ፓርክ ጂን ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ደቡብ ኮሪያን ኢትዮጵያን ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ኢየን።
ብፍላይ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ደቡብ ኮሪያ ወተሃደራት ብምልኣኽ ዝገበረቶ ሓገዝ ህዝቢ እታ ሃገር ኩሉ ግዘ ዝዝክሮ ኢዩ ኢሎም።
እተን ሃገራት ዘለወን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምጥንኻር ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትሕብባር ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።
ብመሰረት እዚ ብዓውዲታት ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ግብርናን መሰረተ ልምዓትን ብምትሕብባር ክስራሕ ኢዩ አሎም።
ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት እውን ዘለወን ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምጥንኻር ክልቲኣዊ ስምምዕነት ኢንቨስትመንት ንምፍርራም ኣብ ከይዲ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ብመላኩ ገድፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።