Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ኣፍሪካ ቫይረስኮሮና ብዝምልከት ሓዲሽን ተሪርን ስጉምቲ ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ደቡብ ኣፍሪካ ስሪል ራማፎዛ ብሰንኪ እቲ ኣብታ ሃገር ዝረአ ዘሎ ቅልጡፍ ምልባዕ ለበዳ ቫይረስኮሮና ተሪር እገዳታት ዕፅዋ ኣዊጁ።

ብመሰረት እቲ ሓዲሽ ሕጊ ኣብ ውሽጢ ገዛ ይኹን ካብ ገዛ ወፃኢ ምትእኽኻብ ኩልኩል እንትኸውን፥ ካብ ሰዓት ትሽዓተ ምሸት ክሳብ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ንገሆ ዘሎ እዋን እቶ እቶ ተኣዊጁ ኣሎ።

ዝኾነ ኣልኮላዊ መስተ ከይሽየጥ’ውን ኣብዚ ሓዲሽ ወፂኡ ዘሎ ተሪር ሕጊ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት ስሪል ራማፎዛ፥ እታ ሃገር ብሰንኪ እቲ ለበዳ ኣብ ሓደገኛ መድረኽ ከምዘላ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ተሪር ስጉምቲ ምውሳድ ግዚኡ እዩ ኢሉ።

ሰብ መዚ ጥዕና ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብታ ሃገር ብቅልጡፍ ዝላባዕ ሓዲሽ ዓይነት ቫይረስኮሮና ከምዝረኸቡ ምሕባሮም ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት እዚ ኣብታ ሃገር ዝርከባ ሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ብሰንኪ ብዝሒ ሕሙማት ኮሮናቫይረስ ዓቕለን ፀቢብወን ይርከብ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.