Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ አፍሪካ ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ አፍሪካ ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ኢትዮጵያ ሓገዝ ንምግባር ድልውቲ ከምዝኾነት ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን እታ ሃገር ናሌዲ ፓንዶር ገሊፀን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ሚኒስትር ዓለም ለኸ ርክብን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪካ ናሌዲ ፓንዶር ኣብ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ጠሚቶም ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ÷ እቲ ስምምዕነት ሰላም ብግቡእ ንኽኸይድ መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪካ ንዝግበሮ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ስምምዕነት ተግባራዊ እናገበረ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ብኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ከባቢታት መሊስካ ንምልማዕን ነበርቲ እግር ንምትካልን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሓገዝ ንኽገብር ሓቲቶም።

እተን ሚኒስትር ብግደአን፥ ደቡብ ኣፍሪካ ኣካል ከይዲ ስምዕነት ሰላም ኢትዮጵያ የሰላም ሂደት ብምዃና ኩርዓት ከምዝስመዐን ገሊፀን፡፡

ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒታት ብመሃብ ጎንፂ ካብ ምፍታሕ ሓሊፉ ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀትን መሊስካ ምጥያሽን ትኹረት ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ደቡብ ኣፍሪካ ኣብ ስራሕቲ መሊስካ ምጥያሽ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ሓገዝ ንምግባር ድሌት ከምዘለዋ ምግላፀን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube    

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.