ደቡብ ሱዳን ኣብ ግዝኣታ ናይ ኢትዮጵያ ጥቕሚ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንቅሳቓስ ንክግበር ኣይትፈቅድን -ፖል ማዮም ኣኬች
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ሱዳን ኣብ ግዝኣታ ናይ ኢትዮጵያ ጥቕሚ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንቅሳቓስ ንክግበር ኣይትፈቅድን ክብሉ ሚኒስትር ጉዳያት ውሽጢ ሃገር ደቡብ ሱዳን ፖል ማዮም ኣኬች ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ምስ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል መህድ ኣብ ክልቲኣዊን ቀጠናዊን ጉዳኣት ብምድሃብ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ኢዮም ነዚ ኢሎም።
ኣምባሳደር ነቢል፥ ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ንዘበናት ዝዘለቐ ተሪካዊ ምትእስሳር ከምዘለዎም ሓቢሮም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘካየዶም ቀንዲ ቀንዲ ሪፎርምታት ብዝምልከት እውን መብርሂ ሂቦም።
ኣሸባሪ ህወሓት ናይቲ ሪፎርሙ ኣካል ንክኸውን ብተደጋጋሚ እንተተሓተተ እውን ውድቂ ብምግባር ሃገር ናይ ምፍራስ ሴራ ከምዝተፀመደ ተዛሪቦም።
በዚ እውን እቲ ኣሸባሪ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብሓይሊ ብምውራር ብኣማኢቲ ዝኡፀሩ ሰባት ብምፍንቓል፣ ሰላማዊ ሰባት ብምጭፍጫፍን መሰረተ ልምዓታት ብምውዳምን ተፀሚዱ ኣሎ ኢሎም።
እቶም ሚኒስትር ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ደቡብ ሱዳን ዝገበረቶ ድጋፍ ልዕል ከምዝኾነ ገሊፆም።
ስለዝኾነ ደቡብ ሱዳን ኣብ ግዝኣታ ናይ ኢትዮጵያ ጥቕሚ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንቅሳቓስ ንክግበር ኣይትፈቅድን ክብሉ ፖል ማዮም ኣኬች ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።