Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ሱዳን ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ምፍራማ ተቐባልነት ሓሳብ ኢትዮጵያ ዘርእይ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ሱዳን ማዕቐፍ ምትሕብባር ተፋሰስ ናይል ምፍራማ ተቐባልነት ሓሳብ ኢትዮጵያ ዘርእይ ኢዩ ክብሉ ምሁራን ገሊፆም።

‘የኢትዮጵያ እና የግብፅ ሽኩቻ’ ዝብል መፅሓፍ ዝፀሓፉ ውብሸት ሲሳይ(ዶ/ር)፥ ኣብ ጉዳይ ማይ ናይል ብግብፅን ሱዳንን ተታሒዙ ዝነበረ ልዕልነት ኢትዮጵያ ብዲፕሎማሲ እናቐየረቶ ምምፃኣ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።

ተመራማሪ ጉዳያት ኣፍሪካ ግዛቸው ኣማረ (ዶ/ር) ብግደኦም፥ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ማይ ዲፕሎማሲ ምጥንኻሩን እተልዕሎም ሓሳባት ተቐባልነት ይረኽቡ ምህላዎምን ተዛሪቦም።

ሃገራት ነቲ ማዕቐፍ ምፍራመን ኢትዮጵያ ኣብቲ ወሓዚ ሩባ ዝለዓሉ ምጉታት ንክትረትዕ ከምዘኽእልዋ እውን እቶም ምሁራን ኣብሪሆም።

ብኣልማዝ መኮንን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.