Fana: At a Speed of Life!

ደቡብ ሱዳን ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ብሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ሰለስቲአዊ ድርድር ትድግፍ ኢያ-ኣምባሳደር ጀምስ ፒቲያ ሞርጋን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቡብ ሱዳን ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ብሕብረት ኣፍሪካ ዝካየድ ሰለስቲአዊ ድርድር ትድግፍ ኢያ ክብሉ ኣምባሳደር ደቡብ ሱዳን ኣብ ኢትዮጵያ ጀምስ ፒቲያ ሞርጋን ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ምስ ዘለዋ ልዑል ግደ ናይ ውሽጣ ሰላም ብምሕላው ናይዚ ቀጠና ኢኮኖሚ መትእስሳር ከትመርሕ ከምዝግባእ ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ጀምስ ፒቲያ ሞርጋን ከምዝበልዎ፥ ማይ ኣባይ ናይ ኩለን ሃገራት ተፋሰስ ናይ ሓባር ሃፍቲ ብምዃን ንኹሉ ብዘይ ምንም ፀገም ከጥቀማሉ ዝግባእ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ኣብ ማይ ዝካየዱ ፕሮጀክቲታት ልምዓታዊ ጎኖም ክረአ ኣለዎ ዝበሉ እንትኾኑ፥ ፀገማት እንተሃሊዮም እውን ብሰለማዊ መገዲ መፍታሕ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።

ስለዝኾነ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ዝረኣዩ ውጥጣት ብሕብረት ኣፍሪካ ኣደራዳሪነት ሰለስቲአን ሃገራት ናብ ዘላቒ መፍትሒ ምምፃእ ከምዝከኣል ገሊፆም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.