Fana: At a Speed of Life!

ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ንኽገብራ ብትኹረት ከምዝስራሕ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሃገራዊ ምኽክር ትርጉም ዘለዎ ተሳትፎ ንኽገብራ ብትኹረት ከምዝስራሕ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ።

ድምፂ ጥምረት ንደቂ ኣንስትዮ÷ ኣብ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ብኣሽሓት ንዝቑፀራ ደቂ ኣንስትዮ ስልጠና ህንፀት ዓቕሚ ብምሃብ ኣጀንዳታተን እናተኣኻኸበ ምፅሑ ተገሊፁ፡፡

ኣጀንዳ እቲ ጥምረት ድማ ንኮሚሽነር ኮሚሽን ብሄራዊ ዘተ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ሎሚ መዓልቲ ኣረኪቡ፡፡

ሚኒስትር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ÷ ኣብ ሃገራዊ ዘተ መሰረታዊ ፀገማት ብልዝብ ምፍታሕ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ወሳኒ ምዕራፍ በፂሑ ኣሎ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ ቀዲ ኣንስትዮ ዝተማለአን ትርጉም ዘለዎን ተሳትፎ ንኽህልወን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡

ኮሚሽነር መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር) ብግደኦም÷ ተዓወትቲ ኮይንና ንውፃእ እንድሕር ተባሂሉ ክንዛተ ኣለና፤ ኣብቲ ዘተ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ሒዝና ክንወፅእ ኣለና” ክብሉ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.