Fana: At a Speed of Life!

ደቂ ኣንስቲዮ ተመረፅቲ ኮከስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሰብ ስራሕ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅም ወገናት ልዕሊ ብር 64 ሚሊየን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ደቂ ኣንስቲዮ ተመረፅቲ ኮከስ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብሰብ ስራሕ ሓደጋ ጉድኣት ንዝበፅም ወገናት ዝውዕል ልዕሊ ብር 64 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብዓይነትን ብጥረ ገንዘብን ሓገዝ ምግባሩ ገሊፁ።

እቲ ኮከስ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ብምግምጋም ኣብ ትልሚ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ተዛቲዩ፡፡

ኣካቢት እቲ ኮከስ ወይዘሮ ኣበባየ ገዛሀኝ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበለኦ፥ እቶም ብምኽንያት ፀገም ፀፅታ፣ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ከምኡ እውን ብሓደጋ ውሕጅ ንሓደጋ ዝተቓልዑ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተገበሩ ሓገዛት ካብ ዝተፈላለዩ ገበርቲ ሰናይ ትካላት በቲ ኮከስ ኣቢሎም ተኣኻኺቦም ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ተጎዳእቲ ዝተበርከቱ ኢዮም፡፡

ኣብቲ ፀብፃብ ከምዝተገለፀ፥ ብር 47 ሚሊየን ዝግመት ሃፍቲ ብዓይነትን 17 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብጥረ ገንዘብን ብምትእኽኻብ ጉድኣት ንዝበፅሖም ክፋላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ተገይሩ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.