Fana: At a Speed of Life!

ደም ብዘይምፍሳስ ዴሞከራሲያዊት ኢትዮጵያ ምህናፅ ይግባእ – ቀ/ይ ሚ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኮሚቴ ሰብ ሃፍቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ ኣዳራሽ ሚሌኒየም ኣብ ዘሰናድኡዎ ኮንፈረንስ ሰላም ተረኺቦም መደረ አስሚዖም።

ኣብ ዘረበኦም ድማ፥ ከምዙይ ዓይነት መድረኻት ንኽሰናድኡ ሓገዝ ንዝገበሩ ምሁራት፣ ኣባ ገዳታት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ሰብ ሃፍቲ ከምኡ እውን ቄሮን ፋኖን  ኣመስጊኖም።

ህዝብታት ኣምሓራን ኦሮሞን ብዙሕ ቑፅሪ ዘለዎም ከምዝኾኑ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ክልቲኦም ህዝቢታት እንትተሓባበሩ ለውጢ ከምፅኡ ከምዝኽእሉን ብኣንፃሩ እንተተፈላልዮም ክልውጥዎ ዝኽእሉ ነገር ከምዘይህሉን ኣፍሊጦም።

ክልቲኦም ህዝብታት ክፋተዉን ክከባበሩን ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

ኣብ ኢተዮጵያ ዘሎ ኣፈላላይ ፀጋ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሓቢርካ ንምንባር ረብሓ ሕብረት፣ ናይ ካልኦት ልምዲታት ምፍላጥን “እንተይተጠፋፋእኻ ብኸመይ ሓቢርካ ምንባር ይከኣል” ዝብል ሕቶ ምምላስን ኣገዳሲ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ክፍጠሩ ብዝኽእሉ ናይ ሓሳብ ጎንፂታት ብዘይ ምቅትታልን ምጥፍፋእን ምፍታሕ ከምዘድሊ እውን ኣተሓሳሲቦም።

ንዩኒቨርስቲታት ዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ድማ፥ ናብ ዩኒቨርሲቲ ዝኽየድ ንምቅትታል ዘይኮነስ ፍልጠት ንምዕታር ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኩለን ዩኒቨርሲታት ልዑል ሓለዋ ድሕንነት ናይ ምግባር ስራሕቲ ከምዝተሰርሑን ኣብ ሓይሊታት ጥፍኣት ሕጋዊ ስጉም ከምዝውሰድን እውን ኣፍሊጦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣብ ምዕሳል ዴሞክራሲ ኣድሂቦም ኣብ ዘስምዑዎ ዘረባ፥ ደም እንተይተፋሰስካ ዴሞከራሲያዊት ኢትዮጵያ ምህናፅ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.