Fana: At a Speed of Life!

ደልታ ዝተባሃለ ዓይነት ቫይረስኮሮና ኣብ ኣፍሪካ ይላባዕ ብምህላዉ ዜጋታት ክጥንቀቑ ኣለዎም-ውድብ ጥዕና ዓለም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ደልታ ዝተባሃለ ዓይነት ኮሮናቫይረስ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ይላባዕ ብምህላዉ ዜጋታት ክጥንቀቑ ኣተሓሳሲቡ።

ናይ መወዳእታ ሰሙን ወርሒ ሰነ ብኹነታት ለብዒ ቫይረስኮሮና እቲ ኣዝዩ ዝኸፍአ ጊዜ ከምዝነበረ ፀብፃባት እቲ ትካል ይሕብሩ።

ዞባዊ ዳይሬክተር እቲ ውድብ ዶክተር ማትሺዲሶ ሞየቲ፥ ኣብ ምሉእ ኣፍሪካ ዝረኣይ ዝርግሐ እቲ ሓድሽ ቫይረስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ 18 መዓልቲ ብዕፅፊ ይውስኽ ኣሎ ኢለን።

ስለዝኾነ እቲ ሳልሳይ ማዕበል ገና ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሰሙናት ክኽሰት ይኽእል’ዩ ክብላ ሓቢረን።

ኣብ ከም ናሚቢያን ቱኒዝያን ዝበላ ሃገራት ዝርከባ ሆስፒታላት ብቑፅሪ ሕሙማት ከምዘዕለቕለቓን ልዕሊ ዓቕመን ከምዝኾነን ተገሊፁ።

ካብ ሓፈሻዊ ህዝብታት ኣፍሪካ ትሕቲ 2 ሚኢታዊ ጥራይ ክታባት ቫይርስኮሮና ኣብ ዝረከቡሉ እዚ እዋን፥ ብዙሓት በቲ ሕማም ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ፀገም ጥዕና ወዲቖም ኣለዉ።

ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ካብ ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራትን ዝልገስ ክታበት ብኮቫክስ ኣቢሉ ናብተን ሃገራት ከምዝቐርብን እተን ሃገራት ዘለወን ዓቕሚ ወፍሪታት ክታበት ክዓብይ ከምዝኽእልን ዘለዎ ተስፋ ይገልፅ ከብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.