Fana: At a Speed of Life!

ዪንሴፍ 16 ሚልየን ብር ዝግመት ሓገዝ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ንቢሮ ጥዕና ትግራይ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዪንሴፍ  16 ሚልየን ብር ዝግመት ሓገዝ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ንቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣበርኪቱ።

እቶም ሓገዛት፥ ተወካሊት ዪንሴፍ ጨንፈር ትግራይ ኤልዛቤት ኦሜኬ ንሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ኣማኒኤል ሃይለ ኣረኪበንኦም።

ዶክተር ኣማኒኤል፥ እቲ ሓገዝ ናብ 32 ጥዕና ትካላት ክከፋፈል ኢዩ ኢሎም።

ሞት ኣዴታትን ህፃናትን ኣብ ምቕናስ ልዑል ግደ ከምዘለዎም ድማ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ ብሰንኪ ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኲናት ስዒቡ ዝዓነዉ ናውቲታት ሕክምና  ትካላት ጥዕና  ንምትካእ ከምዝሕግዝ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ እቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.