Fana: At a Speed of Life!

ዩ ኤስ ኣይ ዲ ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝሕግዙ ልዕሊ ብር 2 ሚሊየን ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ንብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ትካል ልምዓት ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩ ኤስ ኣይ ዲ) ንመከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ዝሕግዙ ብር 2 ሚሊየን፣ 626 ሺሕን 780 ዋጋ ዘለዎም ኣቑሑት ንብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣበርኪቱ።

እቲ ትካል ዝለገሶም ኣቑሑት፥ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ)፣ ጓንቲ፣ መሐለዊ ፅሬት ሳኒታይዘርን መለክዒ ሙቐትን ከምዝኾኑ ካብቲ ቦርድ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ንትካል ልምዓት ተራድኦ ኣሜሪካ ምስጋና ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.