Fana: At a Speed of Life!

ዩክሬን ዒላማታት ሩሲያ ብኣፅዋር ኲናት ኣሜሪካ ንክትወቅዕ ፕሬዚዳንት ባይደን  ፍቓድ ምሃቦም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬን ዒላማታት ሩሲያ ኣሜሪካ ብዘቕረበቶ ኣፅዋር ኲናት ንክትወቅዕ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን  ፍቓድ ምሃቦም ተገሊፁ።

ሰራዊት ሩሲያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ዶብ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብዝገበሮ ሃንደበታዊ ወፍሪ መጥቃዕቲ ኣብ ግዝኣት ካርኪቭ ልዑል ዓወት ምምዝጋቡ ተሓቢሩ።

ኣብ ሓደ መንበሪ ህንፃ ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ሰባት እንትሞቱ 16 ድማ ምቑሳሎም ሰብ መዚ ዩክሬን ተዛሪቦም።

ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ሩሲያ መጥቃዕቲ ነዊሕ ርሕቐት ምስ ምክልኻል ተዛሚዱ ዘለዋ ወተሃደራዊ ታክቲክ  ፖሊሲ ስርዓት ሚሳኤል ዘየምልዋጡ እቶም ሰብ መዚ ገሊፆም።

እቲ ሓዱሽ ፖሊሲ ኣውሮፕላናት ሩሲያ ምጥቃዕ ዝብል እውን ዝውስኽ ኢዩ ተባሂሉ።

ንዩክሬን ንምጥቃዕ ዝመፅኣ ኣውሮፕላናትዋላ ኣብ ምድሪ ሩሲያ እውን እንተኾነ ንከይውቅዓ ተኸልኪሉ ከምዘይፈልጥ ተሓቢሩ።

ይኹን እንበር ክሳብ ሐዚ ብወገን ኣሜሪካ ዝተውሃበ ርእይቶ ከምዘየለ ቢቢሲ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.