Fana: At a Speed of Life!

ዩክሬን ንስሎቫኪያ ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ካልኣይ ዙር ፀወታ መፃዪ ምድብ ሎሚ ቀፂሉ እንትካየድ ዩክሬን ንስሎቫኪያ 2 ን 1 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ።

ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ስሎቫኪያ ኣብ መበል 17 ደቒቕ ብዘመዝገበታ ሸቶ እናመርሐት ፀኒሓ፤ ዩክሬን ኣብ መበል 54ን 80ን ደቒቕ ብዘመዝገበተን ክልተ ሸቶታት ወሰንቲ ሰለስተ ነጥቢታት ሒዛ ወፂኣ።

ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ስሎቫኪያ ንቤልጂየም 1 ን 0 ዝሰዓረት እንትትከውን÷ ዩክሬን ድማ ብሮማንያ 3 ን 0 ከምዝተስዓረት ይዝከር፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.