Fana: At a Speed of Life!

ዩክሬን ነበርቲ ከተማ ፖክሮቭስክ ነታ ከተማ ለቒቖም ንኽወፅኡ ኣዚዛ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያ ዓፀፋዊ ስጉምቲ ብምውሳድ ናብ ፖክሮቭስክ ምግስጋሳ ስዒቡ ዩክሬን ነበርቲ እታ ከተማ መንበሪኦም ለቒቖም ንኽወፅኡ ምእዛዛ ተሓቢሩ፡፡

ዩክሬን ቅድሚ ሰሙናት ናብ ግዝኣት ሩሲያ ጥሒሳ ምእታዋ ዝዝከር እንትኸውን፥ እዚ ድማ ናይ ክልቲአን ሃገራት መንግስታት ከምዝኣመኑ ይፍለጥ፡፡

ይኹን እምበር ኣብዚ ሕዚ እዋን ሩሲያ ኣፀፋዊ ምላሽ እናሃበትሉ ኣብ ትርከብ ከተማ ፖክሮቭስክ ዝነብሩ ህፃናት ዘለዉዎም ስድራቤት መረበቶም ለቒቖም ንኽወፅኡ ምጥንቃቓ ተሓቢሩ፡፡

ስበ መዚ እቲ ከባቢ ከምዝሓበዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ጦር ሩሲያ ናብታ ከተማ ብቅልጡፍ እናገስገሰ ይርከብ፡፡

በዚ ድማ ነበርቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ እታ ከተማን ካልኦት ኣብ ጥቓኣ ዝርከባ ከተማታትን መንደራትን ለቒቖም ክወፅኡ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

ፖክሮቭስክ ዋና ድፋዕ ሰራዊት ምክልኻል ዩክሬንን ኣብ ቀጠና ዶኔትስክ ቁልፊ ማእኸል ሎጂስቲክስ ከምዝኾነት ኣልጀዚራ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.