Fana: At a Speed of Life!

ዩክሬናውያን ኢዮም ዝተብሃሉ 65 ጦር እሱራት ዝሓዘት ኣውሮፕላን ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬናውያን ኢዮም ዝተብሃሉ 65 ጦር እሱራት ዝሓዘት ኣውሮፕላን ሩሲያ ከምዝተሓምሸሸት ተሓቢሩ።

ንብረትነታ ናይ ሩሲያ ዝኾነት ወታደራዊ ኣውሮፕላን እታ ሃገር÷ ምስ ዩክሬን ኣብ ትዋሰነሉ ደቡባዊ ግዝኣት ቤልጎሮድ ኢያ ተሓምሺሻ፡፡

ሚኒስቴር ምክልኻል ሩሲያ ከምዝሓበሮ÷ እታ ኣውሮፕላን 65 ጦር እሱራት ዩኩሬን ብመሓዝ ንልውውጥ እሱራት ናብ ግዝኣት ቤልጎሮድ እናምረሐት ነይራ።

ካብቶም ጦር እሱራት ወፃእ÷ ሽዱሽተ ሰራሕተኛታት ዘኣውሮፕላን ሓዊሱ ካልኦት ትሽዓተ ሰባት ሰባት ኣብታ ኣውሮፕላን ከምዝነበሩ ወኪል ዜና ሪያ ኖቮስቲ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ እታ ኣውሮፕላን ዝነበሩ ኩሎም ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ምምሕዳር ግዝኣት ቤልጎሮድ ኣብ ሩሲያ ቭያቼስላቭ ግላድኮቭ ተዛሪቦም።

ዩክሬን ብግደኣ÷ እታ ኣውሮፕላን ንሩሲያ ኤስ-300 ዝተብሃሉ ሚሳኤላት ምክልኻል እናጓዓዓዘት ነይራ ምባላ ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

መበገሲ እቲ ሓደጋን ካልኦት ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ምርመራ ምክያድ ከምዝተጀመሩ እውን ተሓቢሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.