Fana: At a Speed of Life!

ዩኤንኤችሲአር ካብ ትግራይ ወፅዮም ኣብ መዕቖቢ ጣቢያ ሱዳን ዝነበሩ ስደተኛታት ቁፅሮም ከምዝቐነሰን ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጳጉሜን፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኤንኤችሲአር) ካብ ትግራይ ወፅዮም ኣብ መዕቖቢ ጣቢያ ሱዳን ዝነበሩ ስደተኛታት ቁፅሮም ከምዝቐነሰን ኣበይ ከምዘለዉ ከምዘይፍለጥን ገሊፁ።
 
ዩኤንኤችሲአር ካብ ክልል ትግራይ ተፈናቒሎም ኣብ መዕቖቢ ጣቢያ ሱዳን ዘለዉን ድጋፍ ዝግበረሎምን ስደተኛታት ዝምልከት ሓበሬታ ከሊሱ።
 
ብመሰረት እዚ ኣብቲ ማዕስከር ተመዝጊቦም ዝነበሩ ስደተኛታት ቁፅሪ ካብ ቀረባ ኣዋርሕ ናብዚ ከምዝቐነሰን ብስደተኝነት ተመዝጊቦም ዝነበሩ ሰባት ናብ ኢትዮጵያ ይመለሱ ወይ ናበይ ይኺዱ ዝፈልጦ ነገር ከምዘየለ ዕላዊ ገይሩ።
 
ኣብ ጎንፂ ዝተሳተፈ ሰብ በስደተኝነት ዘይቕበል ዩኤንኤችሲአር ብስደተኝነት ተመዝጊቡ ኣብ ውሽጢ ጎንፂ ዝተሳተፈ ዝኾነ ይኹን ሰብ ዳግም ከምዘይቕበል ግዜኢ ፀብፂቡ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.