Fana: At a Speed of Life!

ዩንቨርስታት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠነኦም ተምሃሮ የመርቓ ኣለዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝተፈላለያ ዩንቨርስታት ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠነኦም ተምሃሮ የመርቓ ኣለዋ።

ብመሰረት እዚ ዩንቨርስቲ ጅማ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 124 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ዩኒቨርሲቲ ዲላ እውን ልዕሊ 1 ሺሕን 829 ተምሃሮኡ ከምዘመረቐ ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ደብረ ማርቆስ ብግደኡ፥ ብስሩዕን ካልኦት ሜላታትን  ብቐዳማይ፣ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃርኡ ኣመሪቑ።

ዩኒቨርሲቲ ኣምቦ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሰልጠኖም 4 ሺሕን 36 ተምሃሮ፣ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ 1 ሺሕን 347፣ ዩኒቨርሲቲ ወራቤ 715 ተምሃሮ፣ ዩንቨርስቲ ወላይታ ሶዶ ብስሩዕን ተኸታታሊን መርሃ ግብሪታት ብቐዳማይ ካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ከምኡውን  ዩንቨርስቲ ጅግጅጋ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ልዕሊ 1 ሺሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ከምኡውን  ዩኒቨርሲቲ እንጅባራ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 750 ተምሃሮ ኣመሪቁ።

ብህይወት ኣበበ፣ ጋለነ ተሰፈን ወርቅኣፈራው ያለው፣ የሻምበል ምሕረት ተወሳኺ ሓበሬታ ካብቶም ዩንቨርስቲታት

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.