Fana: At a Speed of Life!

ዩንቨርስቲ ጅግጅጋ ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር 1 ሚሊዮን ብርን 150 ኣጣልን ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ህዳር  ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ዩንቨርስቲ ጅግጅጋ ንጅግና ሰራዊት ምክልኻል ሃገር 1 ሚሊዮን ብርን 150 ኣጣልን ደገፍ ገይሩ።

እቲ ደገፍ ንሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሚኒስትር ዴኤታ ኣመራርሓ ስራሕ ፋይናንስ ምክልኻል ሃገር ኣይተ ጌታቸው ሲሳይ ኣረኪቡ።

ዳይሬክተር ጉዳይ ዓለም ለኻዊ ርክብን ኮርፖሬት ኮሚኒኬሽንን እቲ ዩንቨርስቲ ኣይተ ከማል ሃሽም መሓመድን ምክትል ምምሕዳርን ልምዓትን ፕሬዚዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ሳልህ ሁሴንን ከምዝበልዎ ሰራሕተኛታት 20 ሚኢታዊ ካብ መሃየኦም ንምሃብ ወሲኖም።

ብተወሳኺ ልገሳ ደም ይግበር ከምዘሎ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.