Fana: At a Speed of Life!

“ዩኔስኮ“ ኢትዮጵያ ንእተሰናድኦ ዓለም ለኸ ምሕደራ መርብ ሓበሬታ ሓዊሱ ዝተፍላለዩ ስራሕቲ ከምዝድግፍ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ሳይንስ፣ ትምህርቲን ባህሊን (ዩኔስኮ) ኢትዮጵያ ንእተሰናድኦ ዓለም ለኸ ምሕደራ መርብ ሓበሬታ ሓዊሱ ዝተፍላለዩ ስራሕቲ ከምዝድግፍ ገሊፁ።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ ምስ ዳይሬክተር ተወካሊ ዩኔስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ዶክተር ሪታ ቢሶኑዝ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ መርበብ ሓበሬታ፣ ኣብ ኣገልግሎት ኤሌክትሮኒክስ መንግስቲ፣ ዲጂታል ክእለት፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ዘፈራት ሒሳብን ኣድሂቦም ተመያይጦም፡፡

ዶክተር በለጠ ሞላ÷ ናይ ቀረባ መሓዛ ኢትዮጵያ ዝኾነ ዩኔስኮ ኣብ ዓውዲታት ሳይንስን ቴክኖሎጂን ፃዕሪ ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ንዘርአዮ ድሌት ኣመስጊኖም።

ዶክተር ሪታ ቢሶኑዝ ብግደአን÷ “ዩኔስኮ“ ኣብዚ ዓመት ኢትዮጵያ ንእተሰናድኦ ዓለም ለኸ ምሕደራ መርብ ሓበሬታ ንምሕጋዝ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፀን።

ኣብ ካልኦት ዘፈራት እውን ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.