Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርስቲ መቐለ መፋስስ ጣንቋን ማይ ሎሚንን ብምሕዋይ ኢኮኖሚያዊ ተረባሕነት እቲ ከባቢ ንምርግጋፅ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርስቲ መቐለ ልዕሊ 14 ሽሕ ሄክታር መሬት ዝሽፍን ዓብይ መፋስስ ጣንቋን ማይ ሎሚንን ብዝግባእ ብምሕዋይ ማሕበራዉን ቁጠባዉን ተረባሕነት እቲ ከባቢ ንምርግጋፅ እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ፥ ኮሙቴ መፅናቲ ብምጥያሽ ኣብ ዓብይ ዓዲ ዝርከብ ማይ ሎሚን ከመይ ናብ ረብሓ ዝውዕለሉ መገዲን ነታ ከተማ ሓደጋ ኮይኑ ዘሎ መፋስስ ጣንቋን ገረብ ሸጋሉን ኣሊኻ ናብ ቁጠባዊ ረብሓ ንምቕያርን ብዝምልከት መፅናዕቲ ከካይድ ከምዝፀንሐ ኣፍሊጡ።

እቲ ዝተገበረ መፅናዕቲ ብኸመይ ናብ ተግባር ይሽረፍ? ኣብ ዝብል ድማ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ኣሳሊጡ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዳይሬክተር ኢንዩስትዩትት ማይን ከባብን ዶክተር እያሱ ያዘው፥ ልዕሊ 14 ሽሕ ሄክታር መሬት ዘካትትን ንዓመታት መንቀሊ ፍግረ መሬት፣ ብርሰት ኣግራብን ከምኡ እዉን ስግኣት ህይወት ሰብን እንስሳን ኮይኑ ዝፀንሐ መፋስስ ጣንቋ ብምእላይ ናብ ልምዓት ንምቕያር ዘኽእል ስራሕቲ ከም ዝተጀመረ ገሊፆም።

ካብ እዋን ናብ እዋን እናገፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ሩባ ጣንቋ፣ ኣብ ሓደጋ ምፍራስ ዘሎ ድልድል መቐለ ዓብይ ዓዲን ስጋአት ከተማ ዓብይ ዓዲ ኮይኑ ዘሎ ገረብ ሸጋሉን ካብቶም ክስርሑ ዝተሃቀኑ ትልሚታት ምኻኖም ኣብሪሆም።

ብተሳኺ በዚ ኣቢልካ ፀጋታት ኢቲ ከባቢ ብዝግባእ ናብ ረብሓ ብምቕያር ኩለመዳይ ተረባሕነት ሕብረተሰብ ንምርግጋፅ ዘኽእል ከምዝኾነ ዶክተር እያሱ ገሊፆም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ምክትል ርእስ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብግደኦም፥ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ መፅናዕቲ ብዝተዋደደ መልክዑ ናብ ተግባር ክእቶ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ዘተ፥ ናብ ተግባር ንምእታው ዘኽእሉ መፅናዕትታት ቐሪቦም ብዕምቆት ድሕሪ ምዝታይ ክውሰኹ ዝግቦኦም ስራሕቲ ንምክታት ዘኽእሉ ሐሳባት ተዋሂቦም እዮም።

ፍልፍል፦ ኤመሓት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.