Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ተምሃሩኡ የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዝተረኸባሉ ናይ 2013 ዓ.ም ተምሃሩኡ የመርቕ ኣሎ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብስሩዕ፣ ብምሸታዊን ዝተፈላለዩ መርሃ ግብሪታትን ዘምሃሮም 6 ሺሕን 163 ተምሃሮ ኢዩ ንመበል 72 ግዘ እናመረቐ ዝርከብ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ተመረቕቲ 155 ሕፁያት ተመረቕቲ ሳልሳይ ዲግሪ ኢዮም።

2 ሺሕን 559 ተመረቕቲ ድህረ ምረቓ፣ 3 ሺሕን 604 ቅድመ ምረቓ እንትኾኑ፥ 1 ሺሕን 883 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ተሓቢሩ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ሓዊሱ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋን ኣካቢ ኣመራርሓ ስራሕ ቦርድ እቲ ዩኒቨርሲቲን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኣዳነች ኣቤቤ ተረኺቦም፡፡

ብሶዶ ለማ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.