Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ዝግመት ንምግብነት ዝውዕል እታወታት ኣወፍዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ድጋፍ ንዘድልዮም ወገናት ልዕሊ 1 ነጥቢ 3 ሚልዮን ዝግመት ንምግብነት ዝውዕል እታወታት ከም ዝሃበ ኣፍሊጡ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ኣብ ዝዉሰድ ዘሎ ስጉምቲ ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልዉላዉ ከይፍጠር ንዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ብ1 ሚልዮንን 353 ሽሕን 680 ብር ዝተገዝአ ንምግብነት ዝዉዕል ሓገዝ ከምዝገበረ ካብ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

225 ኩንታል ዝተጥሓነ ጣፍ፣ 60 ኩንታል ሩዝ፣ 60 ኩንታል በርበረ ከምኡ እዉን 20 ኩንታል ሽሮ ሓገዝ እንትኸውን፥ ኣብ ዞባታት ማእኸላይ፣ ሰሜናዊ ምዕራብን ምዕራብን ትግራይ ንዝነብሩ ዝተፀገሙ ወገናት በቶም ምምሕዳር ዞባታት ኣቢሉ ንኽከፋፈል ወሲኑ ኣሎ።

ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ኣብዚ ፈታኒ እዋን ኣብ ጎኒ ሕብረተሰብ ብምዃን ማሕበራዊ ግቡኡ ከምዝፍፅም እዉን ኣፍሊጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.