Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ ራያ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ከምህሮም ዝፀነሐ ተምሃሮ የመርቕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲ ራያ ብዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ብቐዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ከምህሮም ዝፀነሐ ልዕሊ 300 ተምሃሮ 25 ሰነ 2016 ዓ/ም የመርቕ ኣሎ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ንሳልሳይ ግዜ ዘመርቕ ዘሎ እንትኸውን፥ 255 ተምሃሮ ብቐዳማይ ዲግሪ 72 ድማ ብኻልኣይ ዲግሪ ብሓፈሻ 327 ተምሃሮ  ኢዩ ዘመርቕ ዘሎ።

ኣብ ስነ ስርዓት ምርቓ ኣካቢ ቦርድ ዩኒቨርሲቲ ራያ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ዞባዊ ምትእስሳር ንግዲ ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር ) ሓዊሱ  ኣመራርሓ ፌዴራል፣ ኣመራርሓ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣  ዓበይቲ ዓድን ስድራ ተመረቕትን ከመዝተረኸቡ እቲ ዩንቨርስቲ ኣብ መርበብ ሓበሬትኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.