Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲ መቐለ 3 ሺሕን 290 ተምሃሮኡ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዩኒቨርሲቲ መቐለ ንመበል 28 ግዘ ዘሰልጠኖም 3 ሺሕን 290 ተምሃሮኡ ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ብካልኣይን ሳልሳይን ዲግሪ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኢዩ ኣመሪቑ ዘሎ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ሚኒስትር ዲኤታ ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ሙሉ ነጋ ተረኺቦም፡፡

ቫይረስ ኮሮና ብምምፅኡ ምኽንያት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ሓደ ፈተና ከምዝነበረ ዶክተር ሙሉ ገሊፆም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ኩነታት ምንጋዕ ፀፅታ ንተምሃሮ ካሊእ ፈተና ኮይኑ ከምዝነበረ ተዛሪቦም፡፡

“ተምሃሮ እዞም ፈተናታት ተፃዊሮም ንዓወት ምብቀዖም እንኳዕ ኣሐጎሰኩም” ኢሎምዎም፡፡

ብፍላይ እቲ ዩኒቨርሲቲን ነበርቲ ከተማ መቐለን ካብ ወለዲ እቶም ተምሃሮ ዝተቐበሉዎ ሓደራ ሓሊዮም ነቶም ተምሃሮ ናብዚ ክበቕዑ ስለዝገበሩዎም ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ቀዳማይ ትውልዲ ዝኾነ ዩኒቨርሲቲ መቐለ 383 ኣካዳሚክ ፕሮግራማት ዘለዉዎ እንትኸውን፥ ልዕሊ 30 ሺሕ ተምሃሮ እናምሀረ ይርከብ፡፡

68 ሚኢታዊ ዝኾኑ ትምህርቲ እቲ ዩኒቨርሲቲ ፕሮግራማት ድህረ ምረቓ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ ሎሚ መዓልቲ ዝተመረቑ ተምሃሮ ድማ 30 ሚኢታዊ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ኢየን፡፡

ብምስክር ስናፍቅ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.