Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲታት ጅማ፣ ድሬዳዋን ወለጋን ተምሃሮኦም የመርቑ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲታት ጅማ፣ ድሬዳዋን ወለጋን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኑዎም ተምሃሮ የመርቑ ኣለዉ።

ዩኒቨርሲቲ ጅማ÷ ብስሩዕ፣ ክረምታዊ፣ ምሸታዊን ርሕቀትን መርሃ ግብሪ ትምህርቲ ብተፈላለዩ ዓውዲታ ትምህርቲ ዘሰልጠኖም ተምሃሮ ኣመሪቑ።

ካብ ሞንጎ ተመረቕቲ ተምሃሮ እቶም 22 ብሳልሳይ ዲግሪ፣ 253 ብካልኣይ ዲግሪ ከምኡ እውን 1 ሺሕን 471 ተምሃሮ ብቀዳማይ ዲግሪ ዝሰልጠኑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ዩኒቨርሲቲ ድሬዳዋ ኣብ መበል 16 ዙር ስነ ስርዓት ምረቓ ዘካየደ እንትኸውን፥ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ሞያ ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 513 ተምሃሮ እናመረቐ ይርከብ።

ካብ ሞንጎ ተመረቕቲ እተን 426 ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና ዝገለፁ ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዑባህ ኣደም (ዶ/ር)፥ ኣብቲ ዘበነ ትምህርቲ 122 ስራሕቲ ምርምር ምስ ዝተፈላለዩ መዳርግቲ ኣካላት ብምውዳድ ምግባር ተኻኢሉ ኢሎም።

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዘሰልጠኖም 2 ሺሕን 335 ተምሃሮ እናመረቐ ይርከብ፡፡

ብእዮናዳብ ኣንዱኣለምን ገላና ተስፋን

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.