Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲታት ኣኽሱምን ቦንጋን ዘሰልጠኑዎም ተምሃሮ ኣመሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩኒቨርሲቲታት ኣኽሱምን ቦንጋን ብዝተፈላለዩ ዓውዲታ ትምህርቲ ዘሰልጠኑዎም ተምሃሮ ኣመሪቖም።

ዩኒቨርሲቲ ኣኽሱም ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ብቀዳማይን ካልኣይን ዲግሪ ዘሰለጠኖም ልዕሊ 1 ሺሕ ተምሃሮ ኣመሪቑ፡፡

ተመረቕቲ ተምሃሮ ብኮምፒውተር ሳይንስ፣ ሕጊ፣ ሕክምናን ነርሲንግን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ዝሰልጠኑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ገብረኢየሱስ ብርሃነ(ዶ/ር) ከምዝገለፁ÷ እቲ ዩኒቨርሲቲ ሎሚ መዓልቲ ካበ ዘመረቆም 1 ሺሕን 50 ተምሃሮ እቶም 190 ብካልኣይ ዲግሪ ዝሰልጠኑ ኢዮም።

ብተመሳሳሊ ዩኒቨርሲቲ ቦንጋ ብዓውዲ ትምህርቲ ሳይንስን ቡን ሓዊሱ ብዝተፈላለዩ ዓውዲታት ትምህርቲ ብቅድመ ምረቓን ድህረ ምረቓን ዘሰልጠኖም 1 ሺሕን 250 ተምሃሮ ኣመሪቑ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንፈለማ እዋን 34 ተምሃሮ ብሳይንስ ቡን ቀዳማይ ዲግሪ ኣምሂሩ ሚኢቲ ብሚኢቲ መልቀቒ ፈተና ብምሕላፍ ኣመሪቑ።

ብፍሬው ኣለማየሁ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.