Fana: At a Speed of Life!

ዩኒቨርሲቲታት ተምሃሮ ብእዋኖም ንምቕባል ዘኽእል ምድላወን ከምዝዛዘማ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ  ንዘበነ ትምህርቲ 2017 ተምሃሮ ብእዋኖም ንምቕባል ዘኽእል ምድላወን ከምዝዛዘማ ሚኒስቴር ትምህርቲ ገሊፁ

መራሒ ኣካያዲ ስራሕ ጉዳያት ኣካዳሚ እቲ ሚኒስቴር ኤባ ሚጀና (ዶ/ር)፥ ኣብ 2017 ዓ.ም ዩንቨርስታት ንፅርየት ትምህርቲ ፍሉይ ጠመተ ብምግባር ከምዝሰርሓ ተዛሪቦም።

ሚኒስቴር ትምህርቲ ፅርየት ትምህርቲን ሓፈሻዊ ኣፈፃፅማን ንምክትታት ዘኽእል ስምምዕነት ምስ ኩለን ዩንቨርስታት ከምዝኽትም ሓቢሮም።

እቲ ስምምዕነት ስራሕቲ ቆፂሩ ብምሃብ ኣፈፃፅምኦም ንምክትታል ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.