Fana: At a Speed of Life!

ዩኒሴፍ ንልዕሊ 55 ሽሕ ሰባት ተረባሓይ ዝገብር ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ናውቲ መስተ ማይ ብሓገዝ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት (ዩኒሴፍ) ንሽዱሽተ ወረዳታት መጠናኸሪ ዝውዕል ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ናውቲ መስተ ማይ ንቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ብሓገዝ ከምዘበርከተ ገሊፁ።

ሓላፊ ትካል ዓለም ለኸ መድሕን ህፃናት ዩኒሴፍ ኣብ ትግራይ ከምዝበልዎ÷ ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት መብዛሕትኦም ትካላት መስተ ማይ ከምዝዓነዉን ነቲ ዝዓነወ ብዝተወሰነ መልክዑ ዝሕግዝ ልዕሊ 65 ሚልዮን ዋጋ ዘለዎም ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሑ ናውቲ መስተ ማይ ከምዘበርከተን ተዛሪቦም።

ንሽዱሽተ ናቑጣታት ኣገልግሎት ዝህባ መስተ ማይ ንልዕሊ 55 ሽሕ ሰባት ተረባሕቲ ከምዝገብር ኣብሪሆም።

መተሓባበሪ ዋሽ ፕሮግራም ትካል መድሕን ህፃናት ዩኒሴፍ ኣብ ትግራይ ፊልፖ ኦቴኖ ብግደኦም÷ ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ኲናት ልዕሊ 70 ሚኢታዊ ትካላት መስተ ማይ ከምዝዓነዋን ልዕሊ 4 ነጥቢ 6 ሚልዮን ህዝቢ ሕፅረት መስተ ማይ ከምዝገጠሞን ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን ብሓገዝ ዩኒሴፍን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን 30 ሚኢታዊ ዝኾኑ ከምዝተፀገኑን 1 ነጥቢ 5 ሚልዮን ህዝቢ ድማ ተረባሓይ ፅሩይ ዝስተ ማይ ከምዝኾነን ሓቢሮም።

ሓላፊ ቢሮ ማይን ኢነርጅን ክልል ትግራይ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ሞገስ ገብረእግዚኣሄር÷ እቲ ሎምዓንቲ ተረኪብናዮ ዘለና ብሓይሊ ፀሓይ ዝሰርሕ ፖምፕን ፅገና ናውትን ፀገም መስተ ማይ ኣብ ምቅላል ዝለዓለ ግደ ከም ዝህልዎን ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ሓጋዚ ምዃኑን ገሊፆም፡፡

እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምግላፆም እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.