Fana: At a Speed of Life!

ዞባ ምዕራብ ጎጃም ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ንሰራዊት ምክልኻል ልዕሊ 18 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ናውቲ ገይሩ።

ሓላፊ መምርሒ ንግዲን ልምዓት ዕዳጋን እቲ ዞባ ኣይተ ኣሰፋ ጥላሁን÷ ኣብቲ ዞባ ዝርከባ 21 ወረዳታት 18 ሚሊየን 75 ሺሕን 600 ብር ጥሕኒ፣ ማይ፣ ተምሪን ብሽኩቲን ሓገዝ ምግባሩ ገሊፆም።

ካብዚ ብተወሳኺ ማሕበረሰብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ንማሕረዲ ዝኾኑ እንስሳትን ደረቕ ሬሽንን ብምቕራብ ንሰራዊት ዘለዎ ደጀንነት እናርአየ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ክሳብ ዝድምሰስን እቲ ኲናት ክሳብ ዝዛዘምን ሓገዙ ኣጠናኺ ከምዝቕፅል ምሕባሮም ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ሰሜን ጎንደር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.