Fana: At a Speed of Life!

ዝፀደቐ ስምምዕነት ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ እናበፅሀ ዝርከብ ዘይፍትሓውነት ንኽእረም ዝገብር ኢዩ – ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ዝፀደቐ ዝፀደቐ ስምምዕነት ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ እናበፅሀ ዝርከብ ዘይፍትሓውነት ንኽእረም መገዲ ዝኸፍት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሓፈሻዊ ጉባኤ ተመድ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ማሕለኻታት ዝበሎም ብምቅራፍ ኣብ ዓለም እናተኸፋፈላ ዝርከባ ሃገራት ናብ ሓደ ንምምፃእ የኽእል ኢዩ ዝበሎ ትልሚ ኣፅዲቑ።

እቲ ጉባኤ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ጎንፂ፣ ዘይማዕርነት ከምኡ እውን ምብእኣስ ድኽነት ዓለም ለኻ ስግኣት ብምባል ካብ ሞንጎ ዝፈለዮም ይፅርሑ።

እዞኣቶምን ካልኦትን ፀገማት ንምፍታሕ 42 ገፅ ዘለዎ ሰነድ ስምምዕነት “ፓክት ፎር ዘ ፊውቸር” ብዝብል ርእሲ፤ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ ዝፀውዑዎ ናይ ክልተ መዓልቲ ጉባኤ ፀዲቑ።

እቶም ዋና ፀሓፊ÷ እቲ ሰነድ ብዙሓት ቁልፊ ድንጋጌታት ከምኡ እውን ግሎባል ዲጂታል ኮምፓክትን ብዛዕባ መፃኢ ዕድለ ትውልዲታት ዘድሀቡ ጉዳያትን ከምዝተኻተቱ ገሊፆም።

መራሕቲ ሃገራት ዓለም 15 ኣባላት ዘለዉዎ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ንኽመሓየሽን ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ቀዋሚ መቐመጢ ዘይምህላው ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ኣፍሪካ እናበፅሐ ዝርከብ ታሪኻዊ ኻይፍትሓውነት ንኽሰተኻኸል ኣስተዋፅኦ ንኽገብራ ዝሕግዝ ስምምዕነት ከምዝኾነ ምግላፆም ኣፍሪካ ኒውስን ኤፒን ፀብፂቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.