Fana: At a Speed of Life!

ዝግበር ዘሎ ሃገር ናይ ምብታን ኣጀንዳ ድልየትን ምንቅስቓስን  እቲ ጉጅለ ራዕዲ እምበር ንህዝብና ኣይገልፅን-ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ

አዲስ አበባ ፣ ነሐሴ 8 ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ትግራይ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ መግለፂ ሂቡ።

እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ዝግበር ዘሎ ሃገር ናይ ምብታን ኣጀንዳ ድልየትን ምንቅስቓስን  እቲ ጉጅለ ራዕዲ እምበር ንህዝብና ኣይገልፅን ኢሉ።

ባህጊ ህዝቢ ትግራይ ሰላምም ሃገራዊ ሓድነትን እንበር ሀገር ናይ ምፍራስ ኣጀንዳ ኣይኮነን ክብለ ገልፁ።

ምድረ ቀደምት ሃገርና ኢትዮጵያ በዓልቲ ብዙሕ ታሪክ፣ ብሔር ብሔር ሰብን ቋንቋታትን እያ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ ልበ ሩህሩሃትን ቅኑዕ ልቢ ዘለዎምን ኣቦታትናን ኣዶታትናን፣ ዘርኢ ሰብ ዝርከበሉ፣ ጋሻ ተቐባሊ፣ ካብ ማንም ንላዕሊ ሰብአዊነትን ስብእናን ዘቐድም ህዝቢ፤ ንፈጣሪ እንበር ንማንም ዘይትንብርከኽ ሃገርና ኣዝዮም ብዙሓት ፈተናታት ሓሊፋ ናይ ውሽጢን ደገን ፀላእቲ ስዒራ ታሪክ ኣብ ልእሊ ታሪክ እናደራረበት ኣብዚ በፂሓ ኢሉ።

ሐዚ እውን ሃገርና ኢትዮጵያ ባንዳታት ምስ ናይ ወፃኢ ፀላእቲ  ብመዃን ናይ ውልቀ ረብሐኦም ንምሕላው ን ከብዶም ንምቕዳምን ሃገርና ንምብታን፣ ህዝብና ንምክፍፋል ቆሪፆም ተላዒሎም ክብል ሓቢሩ።

ናይዚ ሠማሪን ኣባት ነብስን ድም ውሑድ ጉጅለ ጥፍኣት ህወሓት ኢዩ ኢሉ።

ስለዝኾነ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ሽርሒ ህወሓትን ሃገር ናይ ምብትታንን ኣጀንዳ ብምቅዋም ዝስዕብ መግለፂ ቃዋም ኣውፂኡ።

1. ህወሓትን ናይ ትግራይ ህዝብን ሓደ ኢዮም ኢሉ እቲ ሓይሊ ጥፍኣት ዝውዝዖ ወረ ብዝኾነ ይኹን መገዲ ተቐባልነት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ዲስኩር ኢዩ፤ ፓርቲን ህዝብን ሓደ ኮይኖም ኣይፈልጡን፤ ሓደ ኸኾኑ ኣይኽእሉን እዚ ናይ ሓሾት ፕሮፓጋንዳ ኢዩ

2. ትግራይ ካብ ኢትዮጵያ ንምግንፃል ዝግበር ስራ ነውግዝ

3. በቲ ሽብር ጉጅለ  ዝግበር ዘመቻ ፀረ-ትግራይ ህዝቢ ኢዩ እናተብሃለ ዝቐርብ  ፕሮፖጋንዳ ተቐባልነት ዘይብሉን እቲ ዘመቻ ንህዝቢ ምሽግ ብምግባር ህዝቢ እናወደአ  ካብ ዘሎ ሓይሊ ህፃናት ናብ ጦርነት ካብ ዘሳውር ጉጅለ ሽብር ምዃኑ ንገልፅ

4. እቲ ናይ ጥፍኣት ጉጅለ ናይ ትግራይ ህዝቢ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ህዝቢ ንከይራኸብ፤ ሓሪሱ ንከይበልዕ፤ ነጊዱ ንከይኣቱ፤ ኣብ ፀልማት ንክነብር ጦርነት ጥራሕ ንክሓስብ ብልፅግና ንክርስዕ ዝገበረሉ ኣገባበብ ኣጥቢቕና ነውግዝ ኢሉ

5. ንባዕሉ ንፁህ ብምግባር መንግስቲ ጥፍኣተኛ ንምምሳል ምስ ባዕዲ ሃገራት ዝግበር ናይ ሃገር ክሕደት ነውግዝ

6. ኣብ አፋር ሓው ህዝቢ ዝፈፀሞ  ጭፍጨፋን ምፍንቓልን ነውግዝ

7. ኣብ ኣምሓራ ሓው ሕዝቢ ዝፍፀም  ዝፍፀም  ጭፍጨፋን ምፍንቓልን ነውግዝ

8. ኣብ ግዝያዊ ኣስተዳደር ዝነበሩ ኣመራርሓታት ዝፈፀሞ ዘግናኒ ቅትለት፣ ኣካል ምጉዳልን ንብረት ምውዳምን ነውግዝ

9. ኣብ ትግራይ ዘለዉ ናይ ግዝያዊ ምምሕዳር  ቤተሰባትን  ዘመዳትን ዝግበር ምሽምቓቕ፤ ዘለፋን ትንኮሳን ነውግዝ

10. ካብ ትግራይ ክልል ወፃእ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ ወገናትና፤ ከም ዝኾነ ዜጋ ብሰላምን ድሕንነትን ወፂኦም ነክኣትዉ፤ ሰሪሖም ንክብልፅጉ ምስ ዝምልከቶ ኣካል ብምዃን ክንሰርሕ ኢና

11. ብገንዘብ፤ ሞራል፤ ፕሮፖጋንዳን ወዘተ ነቲ ናይ ሽብር ሓይሊ ዝድግፉ ዝኾነ ይኹን ኣካል ነውግዝ ፤ ብሕጊ ንክሕተት ምስ ዝምልከቶ ኣካል ክንሰርሕ ኢና

12. ብስሕተት፣ ጥርጣሬ፣ ከይተረጋገፀ፤ ንብረቶም ዝተኣገዶምን ንግቢ ቤቶም ዝተዓፀወምን  ተጋሩ እንተሀሊዮም ፣ ቶሎ ፍትሒ ንክረኽቡ  ምስ ዝምልከቶ ኣካል ክንሰርሕ ኢና

13. ማንኛውም ኣብ ሃገርና ዝግበር ፅዕንቶ ወፃኢን ጣልቃ ኣታውነትን ብፅኑዕ ነውግዝ

14. ጀግና ናይ ሃገር መከላከያ ሰራዊትና ንዝፍፅሞ ናይ ህልውና ዘመቻ ዝግበር ማናኛውም ዓይነት ድጋፍን ሓገዝን ክንገብር ኢና

15. ኣብ ኩኦም ክፍላተ-ዓለማት እትርከቡ ሓደሓደ ተጋሩ ዲያስፖራታት ነቲ ሽብር ጉጅለ እትገብርዎ ድጋፍ ገዲፍኩም ንሃገርኩምን ህዝብኹምን ዘብዒ ክትቆሙ ፃውዒትና ነቕርብ ክብል ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.